መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Maryam Selam Leki | ማርያም ሰላም ለኪ

Added by Admin

ሰላም ለኪ /2/ ማርያም ሰላም ለኪ /2/
ሰላም ለዝክርኪ ማርያም ለኪዳነኪ /2/
ሰላም ንዓኺ ይኹን ናይ ኤልሳቤጥ ሓብታ - ሰላም ለኪ
ኣምላኽ ዝመረጸኺ ናይ ፍጥረታት ተስፉ - - ሰላም ለኪ
ተስፉ ናይ ልብና ንስኺ ፈጽምኺ- - - - - - ሰላም ለኪ
ኣደ ኣማኑኤል ምስጋና ይብጻሕኺ- - - - - - ሰላም ለኪ
ንጽህተ ንጹሃን ኣብር’ውን ዘይብልኪ- - - - - ሰላም ለኪ
መኣዛኺ ጥዑም ጸጋ ዝመልኣኺ - - - - - - ሰላም ለኪ
ነብሰይ ተሓጎሰት ዜናኺ ምስ ሰምዐት - - - - ሰላም ለኪ
ብርሃናዊት ሽምዓ ኢኺ ናይ ኣብ መርዓት- - ሰላም ለኪ
- - - - - ኣዝ - - - - - - -
ስምኪ ንወለዶ እንታይ ኢለ ክዛረብ- - - - ሰላም ለኪ
ካባኪ ዝደልዮ ኣሎ ብዙሕ ነገር - - - - - ሰላም ለኪ
ሰላም ለኪ ድንግል እስግደልኪ’የ - - - - - ሰላም ለኪ
ናትኺ ቅድስና ኖኣለም ክነግር’የ - - - - - ሰላም ለኪ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -