Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Maryam Kiwidseki | ማርያም ክውድሰኪ

Added by Admin

ስምኪ ዝከበረ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ
ኣምላክ ኣቦታተይ ኣልቢሱኪ ክብሪ
ማርያም ክውድሰኪ
ማርያም ክዝምረልኪ
ማርያም ከሸብሽበልኪ
ሕያብ ፈጣሪየይ ስለዝኮንኪ
ክውድሰኪ’ዶ ልበይ ክመልኣለይ
ቃላት ይሓጽረኒ ካበይ ክመልኣለይ
ንመንን እንታይን እሞ ክጽውዖም
ንስለ ክብርኪ ቅድሜኪ ክሰርኦም
ኣይገልጾን’የ ፍጹም ክብርኪ ዘርዚረ
መሪጹኪ ጎይታ እቲ ዝከበረ
ካብቅድስናኪ ክካፈል’የ ደልየ
ስምኪ ዝጸዋዕኩ ኣደይ ማርያም ኢለ
ጸጋ ዝመልኣኪ ብርክቲ ካብ ኩለን
ሔዋን ተደቢሳ ደቃ’ውን ዓሊለን
ወሊድክዮ ድንግል ንእንጌራ ሕይወት
ኣክፊትክለይ ሎሚ ዝተዓጽወ ገነት
መን ኣሎ ሓቲቱ መልሲ ዘይረከበ
መን እዩ’ኸ ኳህኲሁ ማዕጾ ዘይተራሕወ
ክውድሰኪ’የ ኣደይ እንዳበልኩ
ሰላመይ በዚሁ ስምኪ ምስ ጸዋዕኩ