መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Maryam Ime Bzuhan | ማርያም እመ ብዙሃን

Added by Admin

ማርያም (2) እመብዙሓን (2)
ንዓና ደቅኺ ኣማልድና ንዓና ደቅኺ
ንዓና ደቅኺ ኣማልድና (2) ማርያም ኣዴና (2)
ቅድስተ ቅዱሳን ተስፋ ናይ ኩላትና
ሓጥያትና በዚሑ ማርያም ኣዴና
ካብ ዲያብሎስ ግዝኣት ነጻ ኣውጽእና
ኪዳን ኣለኪ’ሞ ምሕረት ዘውህበና (2)
ኣዝ….
ንጽህተ ንጹሃን ንስኺ እንዲኺ
ንበላዒ ሰብ ንነብሱ ዘምሓርኺ
ተስፋ ዝሰኣንኩ ንዓይ ንባርያኺ
በእንተ ቅድስት ሃና ዘክርኒ ኢኺ
በእንተ ወላዲትኪ ዘክርኒ ኢኺ
ኣዝ….
ቤዛዊተ ኩሉ ብጽእተ ብጹኣን
ሓፍቲ መላእክቲ ኣክሊል ናይ ቅዱሳን
ተኣምራትኪ ጥዑም ከም መዓርን ጸባን
ኣደ ዝሃበና እግዚኣብሔር ይመስገን (2)
ኣዝ….