መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Maryam Ilna Kinzemir Kem Abotat | ማርያም ኢልና ክንዘምር ከም ኣቦታት

Added by Admin

ማርያም ኢልና ክንዝምር ኢና
ከም ኣቦታትና ክንጽዋዓ ኢና
ከም ቅዱስ ያሬድ ብጥዑመ ዜማ
ክንዝምር ኢና ክንውድስ ስማ

ማርያም ኢልና ኣብ የማን ዘለኪ ኣብ ዝፋን ወድኪ
>> ሰዓቢት ምሕረት ኣውሪዱ ሰላምኪ
>> ብናይ ወርቂ ጽርሃ ዓሪጉ ጸሎትና
>> ብኢደ ብርሃን ብማርያም ኣዴና
...........ኣዝ……………
ማርያም ኢልና ብደበና ክብሪ መሊኡ መቅደሱ
>> ድንግል ናትኪ ጸሎት ኣምጺኡ ቤቱ
>> ኮንኪ ተረከብኪ ካልአይቲ ሰማይ
>> ንጎይታ ወሊዲኪ ቲ ናይ ጽድቂ ጸሓይ
……….ኣዝ………..
ማርያም ኢልና ጸዊዕና ንስምኪ መዓር መሊእልና
>> ብኪዳንኪ ድንግል ኣለና ደው ኢልና
>> ጸጋኪ መሊኡ የንጀርብበና ኣሎ
>> ብሓጎስ’ውን ኣፍና ተመስግነኪ ኣሎ
………..ኣዝ…………
ማርያም ኢልና ናይ ጸላኢ ፍሕስ እንሆ ፈሪሶ
>> ጎይታ ብመስቀሉ ንብዓትና ሓቢሱ
>> ፍርሖ የለን ራዕዲ ብኣኪ ኣዲና
>> ቁስልና ተሕውዩ ብዝሒ ሰላምና
……….ኣዝ……….