Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Maryam Dinigil Nitsihti | ማርያም ድንግል ንጽህቲ

Added by Admin

ማርያም ድንግል ንጽህቲ /2/
ምልእተ ጸጋ ደስ ይበልኺ /2/
እመቤት /2/ ኣብ ቅድሜኻ ክስግደልኺ /2/
ንዝቖምክሉ የኽብሮ’የ
ቅድሚ ስእልኺ ክሰግድ’የ
ነብሰይ ኽትነጽህ ካብ በደል
ወትሩ ኣብ ቅድሜኺ ይምህለል
ግዙእ ኢየ’ሞ ናይ’ዚ ዓለም
ነጻነተይ’ኢኺ ማርያም /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ነብሰይ ኽትቀርብ ኻብ ርሑቕ
ደቂ ጢሮስ ኻብ ምብራቕ
መጹ ገስጊሶም ብሓጎስ
ንኣደነትኺ ንኸድንቑ
ኣመሃ ሒዘ ንኽብርኺ
ደው ኢለ’ለኹ ኣብ ቅድሜኪ /2/
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ዘጨንቑኺ ተሳዕሮም
ስለዝወደቑ ኣብ እግርኺ
ዝዓጠቕዎ ኩናት ደርብዮም
ኣማልድልና ንኽበሉኺ
ልበይ ብሓጎስ ዘለለት
ስምኺ ክጽዋዕ ኣብ ጸሎት /2/
- - - - - - ኣዝ - - - - -
ኣጋንንቲ ይፈርሁ ብመጎሳ
ከተማልደልና እንተ መጽያ
ድንቂ’ዩ ፍቕራ በረኸታ
ካብ ስኦል የውጽእ እቲ ምሕረት
ስምኺ ክጽዋዕ ንትውላድ
ዘውትር ትነብር ከተማልድ /2/
- - - - - - ኣዝ - - - - - -