Maryam Bwedkhi | ማርያም ብወድኺ
Added by Admin
ማርያም ብወድኺ ካብ ሞት ዲሒና
ካብቲ ድቅድቅ ጸልማት ብርሃን ወጺኡልና
ድንግል ብኪዳንኪ ሂወት’ውን ረኺብና
ናይ ኣዳም ተስፋ………………ማርያም
ናይ ኖህ ቃልኪዳን ……………ማርያም
ናይ ሴም ብራኬ ………………ማርያም
ድንኳን ኣብራሃም …………….ማርያም
ብዘመነይ ኩሉ ክብለኪ ኣደየ
ናይ ኩሩቤል ኣምሳል ድንግል እመቤተይ
ናይ ኣብ መዕረፊት ……………..ማርያም
ንጽህት መዓት …………………..ማርያም
ብቀትሪ ለይቲ……………………ማርያም
ሓደራ ኣድሕንና ……………….ማርያም
ክዝምር’የ ኣነ ድንግል ንክብርኪ
ኣደይ ተቀበሊ ምስጋና ደቅኪ
ጸምረ ጊድዮን ………………ማርያም
ናይ ኣሮን በትሪ……………..ማርያም
ንግስተ ሰማይ ………………ማርያም
ሃገረ እግዚኣብሔር…………...ማርያም
ሚስጢር ናተይ ኢኪ ኩሉ እትፈልጢ
ሓጢኣተይ ተበዝሓ ድንግል ኣይትርሓቂ
ናይ ሽቶ ሙዳይ ……………ማርያም
ናይ ሳሚኤል ዕጸ…………….ማርያም
ናይ ጻድቃን መጎስ …………ማርያም
ኣክሊለ ጽድቅ………………ማርያም
ድንግል ትምክሕትና መጸናንዒትና
ሂወትና ክልወጥ ባርክና ኣዴና
