መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Lsaney Yzareb | ልሳነይ ይዛረብ

Added by Admin

ልሳነይ ይዛረብ ናይ ምስጋና ቅኔ
መድሕን ናይ ኣምላከይ ርኤ’የ ብዓይነይ
ኣብ ሰማይ ገባኦን ንጸሓይ ደው ዘበለ
ሎሚ ጽውዕ ኣሎ ንዑ እናበለ
ሽርሒ ተበቲኩ ኣነ’ው ዲሒነ
ካብ ሓጥያት ሞት እንሆ ቀሲነ
ናይ ኣናብስ ኣፍ ብሓይሉ ዝዓጸወለይ
ኣምላክ ዳኒኤል ይክብር ምሳይ
(ኣዝ)
ብዳዊት ምስጋና ብያሬድ ዝማሬ
ምስ ኩሎም ቅዱሳን ክዝምር’የ ኣነ
ንስሙ ከመስግን እንተ ተናዓቅኩ
ንክብሪ ኣምላከይ እዝምር ኣለኩ
(ኣዝ)
ዘፍርህ ነበልባል ሓዊ እንተነደደ
ንጣኦት ክንሰግድ ንጉስ እንተገደደ
ኩሉ ክገድፈኒ ተጸለኣኒ ዓለም
ጽንዓት ይኩነኒ ጎይታ መድሓኒ ኣለም
(ኣዝ)