Lewah Ade | ለዋህ ኣደ
Added by Admin
ለዋህ ኣደ ሰናይ ውህበት
ኣዴና ማርያም ርህርህቲ
ካባኪ ብዝወጸ ድሒኑ ዓለም
ዋሕስና ኢኪ ንዘለኣለም
ዕጸ ሂወት’ኪ ናይ ሴሎን ዳስ
ናትና መጽንዕት ንሱሳልና ፈውሲ
ናይ ጽድቂ ኣስእል መሳገሪትና
ማርያም ኢኪ መመክሒትና
እቲ ናይ ጭንቂ ዘመን ብኣኪ ሓሊፉልና
በረከትና ኢኪ ንኣምን ኢና
ብፈተና ዓለም እንተደኪምና
ድንግል ፍቅርኪ የበርትዓና
ናይ ሂይወት ማይ ዝመንጨወልና
ኣመናዊ መግቢ ዝተረከበልኺ
ኣደ እመልክና ድንግል ኣዴና
በረኸት ሒዝኪ እተዊ ቤትና
ሓይሊ ጸላኢ ተድክሚ ኢኺ
ብፍጹም ሓልዮት ትሕልውና ኢኽI
ድክመት ርእዩ እንተፈተነና
ቤዛዊት ዓለም ዋልታ ኩልና
“ “ ኦምልእተ ጸጋ
“ “ እግዚኣቢሔር ምስልኪ
“ “ ብሩክ ኣንቲ እመ ኣንስት
“ “ ድንግል ባህልናኪ
