Lemni Dinigil Hatiat Nizmelat Alem | ለምኒ ድንግል ሓጢኣት ንዝመልዐት ዓለም
Added by Admin
ለምኒ ድንግል (2) ሓጢኣት ንዝመልኣት ዓለም
ካብ ምድሪ ፍቅሪ ርሒቁ የለን ናይ እግዚኣብሔር ሰላም
ደቀ መዝሙር ንምካን እንተ ገበርኩ ጻዕሪ
ከመይ ህይወት የውህበና እንተዘይብልና ፍቅሪ
ምጽዋር እብንተ ሰኢና
ኣበይ ኣሎ ጽድቅና /2/
ኣዝ…
ባዶ ዕትሮ ዘለና ውሽጥና ብማይ መሊኡ
ክልወጠልና ለምኒ ብክብሪ ጐይታ መጺኡ
ብቁጽሪ እንተበዘህና ብዘይ ተሰብረ ልቦና
ለምኒ ድንግል ለምኒ ክንቱ ከይከውን ጻዕርና
ኣዝ….
ስቅለት ሕማሙ ምዝንታው ካብ ፍቅሪ ኣምላክ ወጺና
ከመይ ሰላም የውህበና ቁጥዓን ባእስን ኣጥሪና
ሕይወትና የብሉን ዕምሪ
እንተ ዘይብልና ፍቅሪ /2/
ኣዝ….
ሓው ንሓው ክቃተል ጨኩኑ ኢዱ ከልዕል
እምኒ ክቀበል ንሞቱ ብቅርሕንቲ መሊኡ
ለምኒ ድንግል ንምድሪ
ንከብዝሓልና ፍቅሪ /2/
ኣዝ…
