Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Lemni Dinigil | ለምኒ ድንግል

Added by Admin

ለምኒ ድንግል ለምኒ /2/
ደቀይ በሊ /2/ ኣደይ ምሳይኩኒ
ለምኒ ኣነስ ኣይከኣልኩን ለምኒ ስቓይ በርቲዑኒ
ለምኒ መጸናንዒተይ ለምኒ ኣለኹ በልኒ
ለምኒ ኸይደ ኔረ ኣርሒቐ ለምኒ ተፈለይ ካባኺ
ለምኒ ስጋ ኣገዲዱኒ ለምኒ ረሲዐ ንዓኺ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ለምኒ ክነብር ብሓጥያት ለምኒ ግዙእ ዓለም ኾይነ
ለምኒ ካብ ነበልባል ሓዊ ለምኒ ምውጽኡ ስኢነ
ለምኒ ክሳብ መዓስ’የ ለምኒ ከምዚ ኢለ ክሕልፎ
ለምኒ ንነብሰይ ገዲፈ ለምኒ ንስጋይ እንትርፎ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -
ለምኒ ሕጅስ ይኣኽለኒ ለምኒ ኽመጽእ ናባኺ
ለምኒ ይቕረ ክትብልኒ ለምኒ ክነብር ምሳኺ
ለምኒ ይቕረ በሃልት’ያ ለምኒ ንመን’ኸ ትጭኽን
ለምኒ ርህርህት ሕሊና ለምኒ ንኹሉ ትኸውን
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ለምኒ ኣነስ ተዓዲላ ለምኒ ኣትየ ናብ ሕቑፌኣ
ለምኒ ኣቱም ዝረሓቕኹም ለምኒ ቅረቡ እንዶ ናባኣ
ለምኒ ኣይኾነን ንዓና ለምኒ ንድኹማት ፍጥረት
ለምኒ ኣለው ምስኣ ለምኒ ዘይርሕቅዊ እመት
ለምኒ ሚካኤል ገብርኤል ለሚኒ ዘይርሕቁ ካብ እግራ
ለምኒ ሩፋኤል ኡራኤል ለሚኒ ኹሎም በብተራ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -