መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Leminilna Dinigil | ለምንልና ድንግል

Added by Admin

ናይ ብርሃን ኣደ ኢኺ’ሞ
ለምንልና ድንግል
ብጸጋን ብኽብርን ዝተመላእኪ
ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተሓረኪ
ንቓሉ መሕደሪ ዙፋን ዝኾንኪ
ብደመና መንበር ዝተፈጸምኪ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ናይ ጨና መንበሪ ዝተቐደስኪ
መኣዛኺ ጥዑም ጨና ዘለኪ
ክብርኺ ብዙሕ’ዩ ቅድስቲ ኣዴና
ስምኪ እንዳዘኸርና ንጸናናዕ ኢና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ብሓሳብ ብግብሪ ፍጽምቲ ዝኾንኺ
ክንደይከ ብሩህ’ዩ ድንግል ልብኺ
ንዓኺ ዝመስል የለን’ሞ
ይሰምዕ ምልጃኺ ናትኪ ልማኖ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ናይ ብርሃን መውጽኢት ምብራቕ ዝኾንኪ
ንሰብ ዝለወጠ ሓያል ወድኺ
ምስጋናኺ ብዝሕ’ዩ ንዘለኣለም
ማህሌት ኢኺ’ሞ ኣብ ኣርያም
- - - - - ኣዝ - - - - - -
መልእኽቲ ንፍጥረትኪ የድንቑ
ጎይታ ብምውላድኪ ይምኽሑ
ሰማይን ምድርን ዘይወስንዎ
ብኣኺ ተወሲኑ ሓይሊ ዘለዎ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ናይ ጨና መንበሪ ዝተቐደሰኪ
መኣዛኺ ጥዑም ጨና ዘለኪ
ክብርኺ ብዙሕ’ዩ ቅድስቲ ኣዴና
ንዓኺ እንዳዘከርና ንጸናናዕ ኢና
- - - - ኣዝ - - - - - -