Kulu Zkone Nitsbuk’yu | ኩሉ ዝኮነ ንጽቡቅ’ዩ
Added by Admin
ኩሉ ዝኾነ ንጽቡቅ’ዩ ኩሉ ዝኮነ ንሰናይ’ዩ
ኣብ ሰማይ ዝበልካዮ ናትካ ስራሕካስ ትክክል’ዩ
ሓጎስ ሓዘን ብክያት ሰሓቅ
ንግሆ ምሸት እተፈራርቕ
እቲ ናትካ ስራሕ ደስ ኢሉና
ኣሜን ደስ ይበልኩም በሉና
……..ኣዝ……..
ማይ ተመልአት ትመርከብና
እንተ ተሓጽረ ጎደናና
ሓያል ጸላኢ እንተ መጸና
ጎይታይ ብኣካ ክንድሕን ኢና
……..ኣዝ……..
መግዛእቲ ሰይጣን በርቲዑና
ኣጨኒቁን ደርቢዩና
ፍጹም ንመውት መሲሉና
ለዋሕ ኣምላክና ኣድሒኑና
……..ኣዝ……..
ምስተሰደድና ብጉልበትና
ካብቲ ሃገርና ምስ ወጻና
ካብ ምድሪ ስደት መሊስካና
ሰብ ኮይነ ኣለና ምስ ኣሕዋትና
………..ኣዝ……..
