Kizimrelu’ye Kemesigno Iye | ክዝምረሉ’የ ከመስግኖ ኢየ
Added by Admin
ከዘምረሉየ ከመስግኖ ኢየ
ብጥዑም ዝማሬ ስሙ ክጽውዕ’የ
ንዝገበረለይ ንዓለም ክነግር’የ
ኣካላተይ ግርማ መጎስ ኣልቢሱኒ
ካብ ኩሎም እንባታት ልዕል ኣቢሉኒ
ክግዝኦ ኢየ ምድሓኑ ከውሪ
ኣቤት ናቱ ስራሕ ድንቂ ናቱ ፍቅሪ
……….ኣዝ……..
ቲ ዓቢ ምሕረቱ ብክብሪ ኣርእዩኒ
ከም ኣእጋር ናብ ብሄር እግረይ ኣጽኒዑኒ
ነጎዳን ማዕበልን ብቃሉ ይፍኖ
ለይቲ ምስ መዓልቲ ምስጋና ይኹኖ
…………..ኣዝ………
ኣብቲ ጸልማት ዓለም ናይ ፈተና ጉዕዞ
ካብ ሓዊ ኣውጺኡኒ ኢደይ እግረይ ሒዙ
ሰብ ከይተናከፎ ንቐጽሪ ዝፈርሰ
ንይ እግዚኣብሔር ስራሕ መዓስ እዚ ጥራይ
………ኣዝ…………
ትብዓት ንክረክብ ጸጋ ዝመልኣኒ
ኣብ ቅድሚ ጸላእተይ ክብሪ ዝሃበኒ
ዘልዓለማዊ ኣቦይ ንሱ’ዩ ኣምላከይ
ከመስግኖ እየ ብዘለኒ ዓቅመይ
………ኣዝ………
