Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kiwdes Kem Gebirel | ክውደስ ከም ገብርኤል

Added by Admin

ክውድስ ከም ገብርኤል ንጽህት ቅድስቲ’ለ
ከም ዳዊት ኽዝምር በገናይ ኣልዕለ /2/
ሰላም ለኪ ኢለ ክጅምር ምስጋናይ
ብመዝሙር ከልዕላ ነታ ወላዲተይ
ናይ ሓጥኣን ተስፉ ዋሕስ ናይ’ዛ ነብሰይ
ናይ ድሕነት መሰረት ማርያም በሉለይ /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ንደቂ ሰብ ድሕነት ዕረፍቲ ዘይብልኪ
ቤዛዊት ኩሉ ሰላምታ ይበጽሓኪ
ምኣመናን ንተንስእ ሎሚ ነመስግና
ብኣና ኽትሕጎስ ማርያም ኣዴና /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - --
ኣምላኽ ዝሃበኒ በታ ዓባይ ዕለት
ውህብቶ ናይ መስቀል’ታ ኪዳነ ምሕረት
በደለይ ብዝሑ ካብ ዕለት ናብ ዕለት
ኣነ ብዘይ ብኣኣ የብለይን ድሕነት /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -