መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kiristiyan’yu Smey | ክርስቲያን’ዩ ስመይ

Added by Admin

ክርስቲያን’ዩ ሰመይ
ግብሪ ግን ዘይብለይ
ይኣምን’የ ጎይታይ
ክርስቲያን ዝብል ስም ኣባይ ተለጢፉ
ኩሉ ሰብ የንብቦ እዋይ ንሕልፈቱ
ኩሉ ሰብ ይርእዮ ብኹሉ ይስመ
ምርኣይ ስኢነዮ ዓይነይ ተሸፊነ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ክርስትያን ማለት እንታይ’ዩ ትርጉሙ
ህይወተይ ሕሰቢ መርምርዮ ኹሉ
ሃዋርያ ክርስቶስ ሰባኺ ጽድቂ’ዩ
ኣሕዋተይ ኹሉኹም መኽሊትኹም ኣለልዩ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -
ኣይበጾም በጸሎት ኹሉ ግዜ ብቕትለት
ህይወተይ ሓቒቑ ብኽፍኣት ብሓሜት
ኹሉ ሰብ ይድነቕ ክርስትያን በለኒ
ውሽጠይ እንተዝርእዮ ምፈንፈነኒ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ ዘየሕፍር ጎይታ
ክሳብ ደው ዝብለሉ ይጽበ ብሃንቀውታ
ንልበይ ዝፈልጦ ንሱ ጥራሕ ኢዩ
ዝቦኽቦኸ ልበይ የዐርዮ ባዕሉ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -