መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kidmeka Isegid Kulu Mewailey | ቅድሜካ እሰግድ ኩሉ መዋዕለይ

Added by Admin

ቅድሜኻ እስግድ ኩሉ መዋእለይ
ኽእዘዝ ንዓኻ ክሳዕ ግዜ ሞተይ
ንሰኻ እንድኻ መድሃንተይ ተስፉ ናይ ህይወተይ /2/
ጸሓይ ኽይዓረበት ኸይጸልመተ ብርሃን
ብጽድቂ ጎደና ንቕድሚት ክንሰጉም
ቅኑዕ መገድ ሓብረኒ ጌጋ ኸይሰዕረኒ /2/
ናይ ነብሰን ናይ ሰጋን መድሃኒት ህይወተይ
ሽለል ኣይትበለኒ ኣባኻ’ዩ ተስፋይ
ምእንቲ ኣዴኻ መሓረኒ ኣምላኽ ጠምተኒ /2/