Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kidane Mihret Neritra | ኪዳነ ምሕረት ንኤርትራ

Added by Admin

ኪዳነ ምሕረት ንኤርትራ ለምንላ ምሕረት
ክትረክብ ቅሳነት ኣድሕንያ ካብ ዓለም መዓት
ቃል ኪዳን ዘለኪ - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ናይ ዘለኣለም - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
መሓበኒት ኢኺ - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ንፍጥረታት ዓለም - - - - - ኪዳነ ምሕረት
- - - - - ኣዝ - - - - -
ቅድስተ ቅዱሳን - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ትንቢተ ነብያት - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ናይ ሃዋርያት ሞጎስ - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ኣደ ናይ ሰማእታት - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ኤፍሬም ብውዳሴ - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ንዘመስገነኪ - - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ደመና ናይ ኤልያስ - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ድንግል ንስኺ ኢኺ - - - - - ኪዳነ ምሕረት
- - - - - ኣዝ - - - - - -
መድሃኒት ምስ መጸ - - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ሰይጣን’ውን ሓፈረ - - - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ናይ’ቲ ዜና ኣብሳሪ - - - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ገብርኤል ነበረ - - - - - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ናይ ብሓቂ መልኣኽ - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ምኻኑ ሪኢኺ - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ይኹነለይ ኢልኪ - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ቃሉ ተቐቢልኪ - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ብጽንዓት ኽንሓልፎ - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
እቲ ናይ ለይ’ቲ ግርማ - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ምእንታን ኽንኣቱ - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ኣብ ጻድቃን ከተማ - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ክንላበስ ፍቕሪ - - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ከም ሃዋርያት - - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ከማኺ ትሕትና - - - - - - - - ኪዳነ ምሕረት
ጽንዓት ከም ሰማእታት - - - - - ኪዳነ ምሕረት
- - - - - ኣዝ - - - - - -

ይቤላ መልኣክ