መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kidane Mihret Imebet | ኪዳነ ምሕረት እመቤት

Added by Admin

ኪዳነ ምሕረት እምቤት /2/
ለምንልና ማርያም ኣዴና /2/
ኣብ ልዕሊ ሰማያት ኣብ ዘሎ መሕደርኺ /2/
ዝማሬ ዝመልኦ ኣብ ዘለኣለም ቤትኺ
ናይ ምድሪ ፍጥረታት ማርያም ይብሉኺ /2/
ኣደቃል እመብርሃን ብስረገላኺ ምጽእና ኢኺ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ካብ ናይ ፍቕሪ ወደብ ኣብ’ቲ ቦታ ጽምዎ /2/
ካብ ሰላም መንገዲ ኣብሓቂ ከተማ
ሰኣሊለነ ቅዱስት ውዳሴኺ ይስማዕ /2/
ምስ ሚኪኤል ምስ ገብርኤል ንዕ ካብ’ቲ ራማ /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
እቲ ነዊሕ ኪዳንኪ ይውረድ ካብ ሰማያት /2/
ይተሓበሰልና ናይ ኹስላትና ንብዓት
ናይ ጽዮን ዝማሬ መሊኡ ነብስና /2/
ንዕ ንበል ከም’ቶም ኣቦታትና /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ፍጥረታት ክድሕኑ ብኣማላድነትኪ /2/
ናይ ዘለኣለም ኪዳን ኣማኑኤል ህቡኪ
ትውልዲ ኣሚኖም ብጽእት ይብሉኪ /2/
ኣደ ትምክሕተይ ምርኹሰይ ንስኺ /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ናይ ልቢ ስምዕኪ ስቕ ኣይትብልን ኢኺ /2/
ንጽጉም ትረድኢ ለዋህ ኣደ ኢኺ
ኣብ ጭንቁ ቀልጢፍኺ ትበጽሒዩ ኢኺ /2/
ካብ ሓዘን ኻብ መኸራ ተዕርፍዮ ኢኺ /2/