Kibrki Tegelitsu (ክብርኺ ተገሊጹ)
Added by Mezmur Tewahdo Admin
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን
ክብርኪ ተገልጹ ፍጥረት ኩሎም ብኣኪ ይድነቁ
ብርሃን ዓለም ካባኪ ምብራቁ
ድንግል ብወድግኪ ንዘልኣለም ትነብር ኸብርኪ
ወሎዶታት ኩሎም ብጽእቲ ይብሉኪ
ደቂ ጠቃዕትኪ እናደነኑ ክመጽኪ
ንጉስ ዝበሃጎ ንፍሉይ ውህበትኪ
/ጸጋ መልኢኪ ፈጣሪ ወሊድኪ/2/
ኣብ ኣርያም ኣብ ሰማይ ትነብር ብክብሪ
ጸሎትና ተዕርግ ናብ ልዑል ፈጣሪ
ዘልኣለማዊ እዩ ናትኪ ድንግልና
ፍጹም ዘይቅይሮ ክቡር ልደት ናይ ጎይታና
ሕፍቲ ውን ዘይብልኪ ንጽሕቲ ኣዴና
/መመክሕት ኣዳም ተስፋ ናይ ኩሊና/2/
ናይ ዘመናት ሓጢኣት ክድምስስ ጎይታና
ካባኪ ተወልደ ፍጹም ድንግልና
ታምርኪ ክንበብ ኣብ ቅዱስ ሰፈሩ
ዝሰምዕዎ ኩሎም ንውዕለትኪ የስተንኲሩ
ውዳሴኪ ዓብዪ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ
/ነዓኪ ውድሱ ፍጡር ኣምበ ክብሪ/2/
ድንግል ድንግል ይብሉ ክብርኺ ይነግሩ
ንንጹሕ ውህበትኪ ብሕብረት ዘመሩ
ትምርተ ሰናያት ድንግል ማርያም
ንጽሕተ ንጽኃን ኣደ ጎይታ መድኅን ኣለም
ቃል ኪዳን ዘለኪ ጠበቃ ንዓና
/ኣማላዲት ኣደ ኣምላኽ ዝሃበና/2/
ኣምላኽ ዘክበረኪ መን እዩ ዘሕስረኪ
ናይ ብዙሓት ኣደ ድንግል ንስኪ ኢኪ
