Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kibre Kdusan | ክብረ ቅዱሳን

Added by Admin

ክብሪ ቅዱሳን ይእቲ ክብረቅዱሳን
ሙዳየ መና ግሩም(4)
ናይቶም ቅዱሳን ክብርኪ ምስ ግርማ
ንስውዓልኪ ቅኔ ምስጋና
ዝወለድክልና ናይ ሕይወት መና
ዝናም ዝሃዝኪ ንእሽቶ ደመና
ናይ ጸሓይ መውጽኢት ምብራቕ ዝኮንኪ
ቲ ዓቢ ብርሃን ዝበርሃልኪ
ኣይጽልምትን ኢዩ ብርሃን ሕይወትና
ወድኺ ከሎ ጸሓይ ብርሃና
ፍቅሪ ትሕትና ጸጋ ውህበትኪ
ናጽላ የዝልል ድምጺ ሰላምታኪ
እሳት ወሊድኪ እሳት ሓቊፍኪ
ክንዝምረልኪ ወጊሑ ይመሲ
ሰኣሊለነ ሰላም ለኪ
ተማህጸነ በኪዳነኪ
ንዒ ርግብየ ምስለ ወልድኪ
ሰማይ ወምድር ያወዱስኪ