Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Keste Debena | ቀስተ ደበና

Added by Admin

ቀስተ ደመና ናይ ኖህ ቃል ኪዳን መተኣማመኒት
ቃል ሂቡና ኢዩ ድንግል ብኣኺ ምንጪ ሕይወትና
መድሃኒት ኮይንኪ ንጥፉእ ዓለም ደስታ ዝኮንኪ
ሰንደቅ ዕላማ ኢኺ ንዓለም መድረክ ዝኮንኪ
ጎይታ ምልክት ሂቡኩም ኢዩ
ናይ ድንግል ፍረ ክድሕነኩም ኢዩ
ናይ ኣዳም ታሪኽ ዝተቀየረ
ሞት ብወድኪ ዝተሰዓረ (2)
……….ኣዝ…
ኣንቢሩና ኢዩ ብኽብሪ ዜማ
ናይ መማለዲት ዓወት ከተማ
መሊኡ ይፈስስ ጸጋ ውህበትኪ
ክብርና በዚሁ ምስ ኣክበርናኪ(2)
……..ኣዝ……..
መልኣክ ኣብሰራ ምስጢር ድሕነትና
ከም እትወልዲ ብድንግልና
ጎይታ ብልቡ ዝሰኣለኪ
ናይ ኩሉ ፍጥረት እፎይታ ኢኪ(2)
……..ኣዝ…….
ፍቅሪ ናትና’ዩ ዕላማ ጎይታ
እግዚኣብሔር ‘ዩ እሙን ጓሳና
ኣባጊዑ ከድሕን ክግለጽ ዓለም
ሓረግ ዝኮኖ ከማኺ የለን (2)
…….ኣዝ……….