Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kenemesigneka Ina | ከነመስግነካ ኢና

Added by Admin

ከነመስግነካ ኢና (2)
ከምቶም ኣቦታትና ብማህሌት እናጸዋዕና
ከምቶም ቅዱሳንካ ብክብሪ ክንዝምር ኢና

ኣምላክ ብውዳሴ ዘልዓለም ክከብር
ኣንጊህና ተንሲእና ምስጋና ክንጅምር
ናይ ኣቦታት ማህሌት ቅኔ ምስ ወረቡ
ክትሰምኦ ደስ ዘብል ግርማ ተከቢቡ
……….ኣዝ………..
ስርዓተ ሰማይ ኣብ ምድሪ ተሰሪአ
ኣብ ልቦና ኣቦታት ጥበብ ኣምላኽ መልአ
ዝማሬ ፈልፊሉ ካብቲ ኣብ መቅደስ
በቲ ጥዑም ዜማ ፈጣሪ ክውድስ
…………..ኣዝ………..
ድምጹ ቀስቂሱኒ ካብቲ ቅቅዱስ ስፍራ
ናይ ያሬድ ጸናጽል መሰንቆ በገና
ናይ ጽዮን ደናግል ንመዝሙር ተንሰአ
ስሉስ ቅዱስ በሉ ንስሙ ጸዊዐ
……………ኣ.ዝ………..
ማህሌት ክቆውም ሰዓታት ቅዳሴ
መላእክት ቆይሞም ንክብሪ ስላሴ
ፍጹም ተመሲጡ ነፍስና ብደስታ
ምስ ቅዱሳን ቆምና ብሓጎስ ብእልልታ
………..ኣዝ…………