መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kem Iyasu Beritu Belena | ከም ኢያሱ በርትዑ በለና

Added by Admin

ከም እያሱ በርትዑ በለና /2/
እ’ቲ ጭንቅና ኩሉ ኣምላኽ ፍትሓልና
ከም እያሱ በርትዑ በለና
ካብ ምድረ ግብጺ ብሓይልኻ ወጺና /2/
ባቢሎን ገዲፍና ናባኻ ቀሪብና
ካብ ባርነት ነጻ’ውን ወጺና
- - - - - - -- ኣዝ - - - - - -
ሓጢኣት ዓለም ሰኬም ተቐቢሩ /2/
ብዋጋ ተገዚእና ከቢርና ብደምኻ
ኣማኑኤል ኽብሪ ይግባኣኻ
- - - - - - -- ኣዝ - - - - - - -
ከም ካሌብ’ውን ከንኣን ንምብጻሕ /2/
ሓጢኣት እያርኮ ብመስቀልኻ ይፍረስ
ንልብና ብመንፈስኻ ሓድስ
- - - - - - -- ኣዝ - - - - - - - -
ማዕጾ ልበይ ሎሚ ኽፊተ’የ /2/
ምሳኻ ክበልዕ ጎይታ ናፊቐ’የ
- - - - - - -- ኣዝ