Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kem Igziabher Abo Hade Yelen | ከም እግዚኣብሔር ኣቦ ሓደ የለን

Added by Admin

ከም እግዚኣብሄር ኣቦ ሓደ የለን’ሞ /2/
እልል በሉ ቁሙ ንምስጋና /2/
ባሕሪ ተኸፍሉ ብሙሴ በትር
ፈርኦን ወድቑ ብሓይሊ እግዚኣብሄር
ንድኹማት ሓይሊ ንዝሃቦም
ነመስግኖ ክሳብ ዘለኣለም
- - - - - - ኣዝ - - - - -
ቀጽሪ ኢያሪኮ እቲ ዘይድፈር
እንሆ ፈሪሱ በዘይ ሓደ ነገር
ሓያላት እንተበርትዑኻ
እግዚኣብሄር’ዩ መመክሒ ናትካ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ዝተሰንደወልና ናይ ዲያብሎስ በትሪ
ኣብ ጎልጎል ወድቑ ዋልታ ኮይኑ እግ/ሄር
ንስላሴ ይብጻሕ ምስጋናና
ተሳዕሩ ሰይጣን ጸላኢና
- - - - - - ኣዝ - - - - -
ኣብ ባሕሪ ክኸይድ ኣለዎ መጎስ
ብግርማ ክልዓል ይዝሕል ንፋስ
ወድ ድንግል ንሕና እናኣምኖ
ከኣሊ’ዩ የለን ዝስኣኖ
- - - - - - ኣዝ - - - - - -