Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kem Igziabher Abo | ከም እግዚኣብሔር ኣቦ

Added by Admin

ከም እግዚኣብሔር ኣቦ ሓደ የለን እሞ
ዕልል በሉ ቁሙ ንምስጋና(2)
ባሕሪ ተኸፊሉ ብሙሴ በትር
ፈርኦን ወዲቁ ብሓሊ እግዚኣብሔር
ንድኹማት ሃይሉ ንዝሓቦም
ነመስግኖ ስጋብ ዘላኣለም
(ኣዝ)
ቀጽሪ ኢያሪኮ እቲ ዘይድፈር
እንሆ ፈሪሱ ብዘይ ሓደ ነገር
ሓያላት እንተ በርቱዑኻ
እግዚኣብሔር ዩ መመክሒ ናትካ
(ኣዝ)
ዝተሰንደወልና ናይ ዲያብሎስ በትሪ
ኣብ ጎልጎል ወዲቑ ዋልታ ኮይኑ እግዚኣብሔር
ንስላሴ ይብጻሓ ምስጋናና
ተሳዒሩ ሰይጣን ደመኛና
(ኣዝ)
ኣብ ባሕሪ ክኸይድ ኣለዎ ሞጎስ
ብግርማ ክለዓል ይዝሕል ንፋስ
ወዲ ድንግል ንሕና እንኣምኖ
ካኣሊ እዩ የለን ዝሳኣኖ
(ኣዝ)