መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kem Bizhi Sahilka | ከም ብዝሒ ሳህልካ

Added by Admin

ከም ብዝሒ ሳሕልካ ኣምላክ መሓረኒ/2/
ከምቲ ምሕረትካ’ውን ይቅርታ ሃበኒ/2/
ኣድህነኒ ጎይታይ ካብ እከይ በደለይ/2/
ነዛ ጸልማት ዓለም ከይከውን ኣገልጋላይ/2/
ኣነስ ፈለጥክዎ ኣበሳይ በደለይ/2/
ፍጹም ኣንጽሃኒ ምሕረት ግበረለይ/2/
ኣምላክ ኣሕዘንኩኻ እከይ’ውን ገበርኩ/2/
ይቕረ ክትብለኒ ቅድሜካ ወደቅኩ/2/
ቅድሜካ ወዲቀ ክልምን ንዓካ/2/
ጎይታይ መሓረኒ ምውዳቀይ ርኢካ/2/