Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kem Bizhi Bedeley | ከም ብዝሒ በደለይ

Added by Admin

ከም ብዝሒ በደለይ ተኾይኑ ቅጽዓተይ
ኣይውዳእን’ዩ ተዘርዚሩ ሓጥኣተይ
ክምለስ እንዳበልኹ ክብል ሎሚ ጽባሕ
ዘመነይ ወዲኣ ብዘይ ግለ ስራሕ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
እንታይ ክምልስ’የ ዝጽወዓሉ ዕለት
ኣይሰርሕን’ዩ ሽዑ ኣውያት ንብዓት
- - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
መሓሪ ኢኻ’ሞ ንዝበደሉኻ
ይቕረ በሃል ኢኻ ንዝለመኑኻ
ይቕረ በለኒ’ሞ ክረክብ ጸጋኻ
- - - - - - ኣዝ - - - - -
ዓመጸኛ ልበይ ድሕሪት ከይመልሰኒ
ብመላእኽትኻ ጎይታ ሓልወኒ
ኣብ ዳግማይ ምጽኣትኻ ጎይታ ዘኽረኒ