መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kem Arbaitu Inissa | ከም ኣርባዕቱ እንስሳ

Added by Admin

ከም ኣርባዕቱ እንስሳ ከም መላእክት’ውን ቅድስ (2) በሉ (2)
ናይ ስላሴ ፍጥረታት ኩሉ (2)

ናይ ኪሩብኤል ኣምላክ እሳት ሰረገላ ልዑለ እመበሩ
ኣብ ኣርያም ቅድስት ብመዝሙር ነጎድጋድ ንክዝመረሉ
ንኣብርሃም ኣምላክ ንፋጣሪ ኩሉ
ናይ ምድሪ ፍጥረታት እልል(2) በሉ
ኣዝ
ናይ ሱራፊል ግርማ ካህናት ሰማይ ውዳሴ እልልታ
ናይ መላኣክት ድምጺ መዝሙር ማህሌት ክዝምሩ ብዓውታ
እዚ ኩሉ ክብሪ እዚ ኩሉ ውዳሴ
ነኣካ እዩ ጎይታ ኣምላኩ ለሙሴ
ኣዝ
ሊቃነ መላእክት ሚካኤል ገብርኤል ይቆሙ ቅድሜካ
ንዓለም የበስሩ ምሕረትካ ጽድቅካ ዕርቅካ ሰላምካ
ኢዩር ኤረር ራማ መላእክት ኩሉ
ቅዱስ (3) ኣምላክነ በሉ
ኣዝ
ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ የማን ስላሴ
ናይ ቅዱሳን ጸሎት ክብሪ ናይ ሰማእታት ሓዋርያት ቅዳሴ
ኩላቶም ፍጥረታት ንክግዝኡሉ
ንልዑል ፍጣሪ እልል ንበለሉ
ኣዝ