Kdus /3/ Nigziabher Kemesigno Iye | ቅዱስ /3/ ንእግዚኣብሔር ከመስግኖ ኢየ
Added by Admin
ቅዱስ /3/ ንእግዚኣብሄር ኸመስግኖ ኢየ
ብሰለስትነት ወይ ብስላሴ እንዳተማሕጸንኹ ኽጅምር ውዳሴ
ሓጢያተይ በዚሑ ንሱ ምሒሩኒ
ፍሉይ ኢዩ እግዚኣብሄር ከም’ዚ ዘፍቅረኒ
- - - - ኣዝ - - - - - -
ግርምኡ ዘፍርሕ ክዳኑ ናይ ሓዊ
ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ኢየሱስ ናዝራዊ
ማዕበላት ኹሎም ይግዝእሉ ኢዮም
ኣእጽዋት ኣዕዋፍ ድምጹ ይሰምዑ ኢዮም
- - - - ኣዝ - - - - - -
ኣይምርመርን ኢዩ ግብሩ ረቂቕ ኢዩ
ኣብ ሰማያት ከሎ ኣብ ዓለም ሙሉእ ኢዩ
ኣብ ዝባን ክሩቤል ዝቕመጥ ንሱ ኢዩ
ብባሕሪ ክጉዓዝ ማይ ኣይትንኸፍን’ዩ
- - - - ኣዝ - - - - - -
ብግብሪ ስለስተ ብፍቓድ ሓደ ኢዮም
ልዕሊ ኣእምሮ ክቢድ’ዩ ምስጢሩ
ቅዱስ ሓያል ጎይታ ወልደ ማርያም
ንኽልተ ልደትኻ ንሕና ንኣምን
- - - - - ኣዝ - - - - - -
