መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kabey Wetsia Ile | ካበይ ወጺአ ኢለ

Added by Admin

ካበይ ወጺአ ኢለ ፍጹም ኣይጭነቅን
ይኣምን ኢየ ጎይታይ ከምዘይትገድፈኒ
ቲ ኩሉ ሓሊፉ ተሪፉ ናብ ድሕሪት
ንብዓተይ ብክያተይ ይኣክል ካብ ሕጂ
…………ኣ.ዝ…………….
መዓልቲ ሓሊፉ ዳግማይ ኣይመጽእን
ንብዓተይ ፈሲሱ ዳግማይ ኣይምለስን
ኣብ መስቐሉ ኮይኑ ፍቅሩ ዘርኣየኒ
ቲ ኩሉ መኸራ ንዓይ ተበጂዩኒ
………..ኣዝ…………
ከመይ ተንሲኡ ከንኣን ኣይትበሉ
ይክእል ኢዩ እግዚኣብሔር ይክእል ኢዩ ኩሉ
ከም ታሪኽ ሓሊፉ’ቲ ዘጨንቀኒ
ክንደይ ተሳገርኩ ጎይትይ እናመርሓኒ
………….ኣዝ………..
ካብ ከብዲ ናይ ዓሳ ካብ መዓሙቕ ወጽየ
ክዝመረሉ ኢየ ከም ሓዲሽ ሰብ ኮይነ
ምኡዝ ጨና ሒዘ ወዲቐ ኣብ ፊቱ
ጽድቂ ክሓስበለይ ጎይታይ ብምሕረቱ
………ኣዝ………..
ቁስለይ ቆሲልካለይ ጽምአይ’ውን ጸሚዕካ
መዓስ ተረዲኡኒ ናይ መስቀል ዕላማ
ስለ ፍቅሪ ናተይ ዘይኮንካዮ የለን
ኣርኢካኒ ጎይታይ ፍቅሪ ናይ ዘልዓለም
…………ኣዝ……….