Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kabaka Zterekbe Mealti Hagos | ካባካ ዝተረክበ መዓልቲ ሓጎስ

Added by Admin

ካባኻ ዝተረክበ መዓልቲ ሓጎስ ዕለት ደስታ
ክንውድሰካ ኢና ክንዝምረልካ መልሲ ውዕለታትካ (2)

እቲ ብጻዕሪ ብንብዓት ዝሓርስ
እንዳእቱ ሒዙ ብዕልልታ ይምለስ
ኣነ’ውን ጎይታ ንምርኩስካ ጼረ
ብዓቢ ሓጎስ ኣብ ቤትካ ከቢረ
እንታይ ውሬታ (3) ክንመልሰልካ ኢና ጎይታ
ብዝርጉሕ ቅልጽም እንተ ዘይሃነጽካ
ድኹም’ዩ ጻዕረይ ከንቱ ኢየ ባርያኻ
ንዝፈርሑኻ ጥበብካ ትምህሮም
ኣብ ማእከል ኣህዛብ ብጸጋ ተክብሮም
……….ኣዝ…………..
ተመጣጢረ ብፍቃድ ናይ ርእሰይ
ዓወት ስኢነ ተቃሪጹ ተስፋይ
ንስኻ ግና ንተስፋይ ቀጺልካ
ድሕሪ ደጊም ሲ ይኹን ከም ፍቃድኻ