Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kab Wiletat Nlaili | ካብ ውዕለታት ንላዕሊ

Added by Admin

ካብ ውዕለታት ንላዕሊ ናትካ ውዕለታት
ካብ ውህብቶ ዝበልጽ ናትካ ውህብቶ
ስራሕካ ዘደንቅ ልዕል በል ጎይታ
ግብርካ ግሩም’ዩ ልዕል በል ጎይታ

ፈሊካ ርኢካኒ ጸጋካ ሂብካኒ
ኤልሻዳይ ኢኻ ጎይታይ ፍጹም ዘይትፈሊ
እቲ ለውሃትኻ ርእየ ናባኻ ክቀርብ
ደግፈኒ ጎይታይ ብሰይጣን ከይስለብ
………ኣዝ……
ንሓጥእ ዘይንዕቆ ፍጹም ለዋህ ኣምላክ
ንምህረት ዝቀድም ገዲፉ ንጥፍኣት
ንዓይ’ውን ሓጥያተይ ከይተጸባጸብካ
ሕይወት ኣልቢስካኒ ግብረይ ከይነዓቅኻ
………ኣዝ……
ካብ ሰማይ ወሪዱ ካብ ክብሩ ዝፋኑ
ስሌና ተሰቅለ ክገልጽ ንፍቅሩ
ፍጹም ኣይርከብን ንሱ ዘይገብሮ
ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ንዕኡ ነመስግኖ
……….ኣዝ…….
ጸጋ መንፈስቅዱስ ሓዲጉልና’ዩ
ይቅሬታን ሰላምን ምሂሩና’ዩ
ንሕና’ውን ክርስትያን ፍቅሩ እናሰዓበና
ክንቅደስ ይግባእ ክንከፍተሉ ኣፍና
………ኣዝ……..