መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kab Semaye Semayat | ካብ ሰማየ ሰማያት

Added by Admin

ካብ ሰማየ ሰማያት ናብ ምድሪ ወርዱ
ንደቂ ሰባት ኢሉ ተዋርዱ
ሓጢኣት ዘይባህርኡ ብኣምላኽነቱ
ምእንታና ተሰቂሉ ኣብ ማእከል ሽፋቱ
ናትና ፍቕሪ ስሒብዎ
ተሰቂሉ ኣብ ቀራንዮ ጎቦ
ኣዲኡ እንታይ በለት ሓቁፋ ዘዕበየት
ፈቐዶ በረኻ ምስኡ ዝተሰደት
እንታይ’ዩ ገይሩ እንትይ’ዩ በዲሉ
መላእ ኣኻላቱ ብገመድ ቆሲሉ
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ቀላያት ኩሎም ዝግዝእሉ
ንደቂ ሰባት ማይ ጸሚኡኒ ኢሉ
ደምን ርሃጽን ብገጹ እናዳወረደ
ኽትበኺ ርእያ እታ ርህርህቲ ኣደ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
መከራ ከይፈርሐ ዝተኸተሎ
ዮሃንስ በኽየ ወይለይ እናበለ
ክሳብ መወዳእታ ብጽንዓት ዝስዓቦ
እንሀት ኣዴኻ ኢሉ ንዮሃንስ ሃቦ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -