መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Kab Fetena Sga | ካብ ፈተና ስጋ

Added by Admin

ካብ ፈተና ስጋ ኣድሕንኒ ኣደ
ኣይረሓቐን እሞ ኻብ ሓጢያት’ቲ ስጋይ
ንበይነይ ኾይነ’የ ጸሮይ ከቢድኒ
ሓደራ ድንግል ኣይትፈለይን /2/
ኣደ ኣማኑኤል ኣኽልል ተዋህዶና
ካባና ኣይትኺዲ ሓይሊ ኽትኾንና
ዋላ እንተበዝሓኺ ክልበትበት ምባልና
ምሳና ተኾንኺ ቅዱስና ኣሎና /2/
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ተስፋይ ብምኻንኺ ይምኻሕ ብኣኺ
የማን ጸጋም ዘይብል ኾይነ’የ ምሩኽኪ
ክህውትት ርእዮ ተስፉ ዝሃበኒ
እግዚኣብሄር ይመስገን ናባኺ ኣበለኒ /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ብስጋይ ደኺመ ኸይጠፍእ ብነብሰይ
ይምሕጸነኺ ኣለኹ ድንግል ኢኺ ተስፋይ
ወራሲ መንግስቱ ክኸውን ኣግብሪ
ንዓይ ኣልምድኒ ምስራሕ ጽቡቕ ግብሪ /2/
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ንስኺ ዘይብሉ ጉባኤ ኣይኮነን
ብደው ንቑጽ ህይወት’ውን የብሉን
ኣብ ማእኸሉ ኣትኺ መልኢ ጎደሎ
ርኣይልና ውሻጠ መርዓ ተገይሩ’ሎ /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -