Kab Bedelka Ntsah | ካብ በደልካ ንጻሕ
Added by Admin
ካብ በደልካ ንጻህ ኣንታ ወዲ ሰብ
ናይ ኣምላክ ገዛ ብሓቂ ዘክር ኣንታ ወዲ ሰብ
ትእዛዙ ሓሊካ ናይ ቅዱስ ኣምላክ
ናይ ኣቦይ ብሩካን ክትባሃል ይሕሸካ
ክትከብር ኣለካ ኣንታ ወዲ ኣዳም
ይኹሕኳሓካ ኣሎ ጎይታ ኣብ ግዳም/2/
(ኣዝ)
ከቶ ከይትልዕል ኣንታ ክፉእ ባርያ
መክሊትካ ኣይትሕባእ ነጊድካ ኣርብያ
ጸጋ ክውሰከልካ እዩ መድሃኔ ኣለም
ትጉህ ኣገልጋሊ ኩን ንዘልኣለም
(ኣዝ)
ብየማን ደው ክትብል ኣብታ ፍርዲ ዕለትካ
ንወንጌል ዕጠቆ ሒዝካ ንጽህናኻ
ንሱ እሙን እዩ ክህብ ከምግብርኻ
ብክብሪ ክመጽእ እዩ እቲ ቅዱስ ኣምላካ/2/
(ኣዝ)
