መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Iyesusiy Memihrey Nay Tihitna | ኢየሱስይ መምህረይ ናይ ትሕትና

Added by Admin

ኢየሱሰይ መምህረይ ናይ ትሕትና
ዘክረና ኣብ ዳግማይ ምጽኣትካ

ዘይዕጸፍ’ዩ ቃልካ ዘይሓልፍ’ዩ ኣይኮነን ከማና
ነጊርካዮ ኔርካ ጥዑም ተስፋ ንኣዳም ኣቦና
ግን እስካ ኣብ ደምበ ተወሊድካ
ተደኒቀ በቲ ትሕትናኻ
(ኣዝ)
ኬድካ ናብ ዮውሃንስ ንክትጥመቅ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ
ኣምላኩ ምኳንካ ምስፈለጠ መጥመቅ ዮውሃንስ
ኣይግባኣንን ኣነ ከጥምቀካ
ንዓይ’ድኣ ኣጥምቀኒ ኢሉካ
(ኣዝ)
መምህረይ /2/ ኢየሱሰይ ሓዳጊ ሓጥያተይ
ብዙሕ ነገር ጌርካ ንክትከውን ንዓይ ኣብነት
ሓጺብካዮ እግሪ ናይ ሃዋርያት
ሕጸበለይ ናይ ኣካለይ ሓጥያት
(ኣዝ)
ንበርባን ፍትሓልና ኢየሱስ ይሰቀል ይሰቀል
ኢሎም ምስጨደሩ ተኣኪቦም ህዝቢ ናይ ኣይሁድ
ነጻ ኢየ ካብ ደም ኢየሱስ
ውሰድዎ ኢልዎም ጳላጦስ
(ኣዝ)
ወላ ሓንቲ ኣይበለን ክሃርምዎ ብኩርማጅ ኩላቶም
ጡፍ እንዳበሉሉ ጎይታቶም ኣብ ጎደና እስራኤል
ወደይ /3/ እንዳበለት
ድንግል ማርያም ትስዕቦ ነበረት
(ኣዝ)
ኢዱ ተሰሚራ ተወጊኡ ብዝፍጠረቶ
ይቕረ በሎም ሰዓን ፍልጠቶም እዩ
ይቅረበሎም ስኣን ፍልጠቶም’ዩ
እናበለ ትሕትና ኣስተሚሂሩ
(ኣዝ)
ጽድቂ እናሰራሕና ብንስሓ ተዘይተመለስና
ከም ዝተጸዋዕና ንክሕረ ተዘይተደሊና
ነቲ ቁስሊ ዝተወገኣልና
ከም ብሓድሽ ንወግኦ ኣለና
(ኣዝ)