መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Iyesusey Lewah Ika | ኢየሱሰይ ለዋህ ኢካ

Added by Admin

ኢየሱሰይ ለዋህ ኢኻ መን ኣሎ ከማኻ
ፍጹም የለን እሞ /2/ ዝሓልይ ንዓና/2/
ናይ ምድርን ሰማይን ፈጣሪ ንስኻ
ናይ ጎይቶት ጎይታ ክርስቶስ ንስኻ
ንተስፋ ኣዳም ክትመልስ ናብ ቤትኻ
ካብ ሰማይ ወሪድካ ኣብ መስቀል ዊዕልካ/2/
(ኣዝ)
ንደቂሰብ ክትብል መከራ ጸጊብካ
ኣብ መስቀል ዊዒልካ ሂወት ሂብካ ሜትካ
ብኣኻ ኢና’ሞ ድሕነት ዝረኸብና
ምስጋና ይብጻሕካ ምስ ማርያም ኣዴኻ/2/
(ኣዝ)
ሕጅስ በሪሃ እያ እዛ ጸልማት ዓለም
ብኣኻ’ዩ ጎይታ ብርሃን ኮይና ዓለም
ክገልጾ ኣይካኣልኩን እቲ ውዕለትካ ናትካ
ፍጹም ኣይውዳእን ተተዘንተወልካ/2/
(ኣዝ)
ሎሙስ ፈሊጠዮ እቲ ፍቅሪ ናትካ
ንዓለም ገዲፈ ከፍቅር ንዓካ
ተገዲደ ኢየሱስ በቲ ሓልዮት ናትካ
ምስጋና ይብጻሕካ ጎይታ ብደቕኻ/2/
(ኣዝ)
መገዲ ከይጠፍኣኒ ባዕልኻ ሚሂርካ
ብደምካ መስሪትካ እምነት ዘቆምካልና
ንጎዓዝ ኣለና ብተዋህዶ እምነትና
ብድንግል ጸሎት በቲ ሓይሊ ናትካን ኣብዚ በጺህና ኢና
(ኣዝ)