Iti Zeymewit Moytu | እቲ ዘይመውት ሞይቱ
Added by Admin
እቲ ዘይመውት ሞይቱ ቀራንዮ ተሰቂሉ
ንሞት ክስዕር ምእንቲ ኣዳም እሉ
በርባን ተፈቲሑ ነጻ ተባሂሉ
እቲ ዘይመውት ጎይታ ግን ቀራንዮ ተሰቂሉ
ንኹሉ ትፈልጥኣብ ኩሉ ዘለኻ
ንኽመጻደቁ ገጽካ ሸፈኑኻ
እስከ ንገረና መን’ዩ ጸፊዒካ ጡፉ ኢሉልካ
ወዲ ኣምላክ እንተ ኮንካ ካብ መስቀል ውረድ
ክናምነካ
ብትዕግስቲ የሕሊራዮ ኣይሁድ ክላገጹልካ
ኣዝ
ጻሓይ ኮዋኹብቲ ሰለዝሓፈራ
ጸጋኻ ተገፊፉ ርእየን ስለ ዝሓፈራ
ኩለን ጸልመታ ክሽፍና ዕርቃንካ
ጸልመታ ሓዘና ርእየን ስቅለትካ
ኣዝ
ኣቤት ኣብቲ እዋን ድንግል ዝበኸየቶ
ናይ ወዳ ስቃይ ርእያ ዝሓዘነቶ
ብቃል ኣይውዳእን ዘርዚርካ ከቶ
ከማይ ክረምቲ ጌራ ድንግል ማርያም ዝነብዓቶ
ኣዝ
ኣይሁድ ንጎይታ ካብዘለዎም ጽልኣት
ንሶም ንእኡ ካብ ዘለዎም ጽልኣት
ዝያዳ ፍቅሮም ንኹሎም ሃቦም ምሕረት
ዝገብር ኣይፈልጡን ኢሉ ንኹሎም ሃቦም ምሕረት
ኣዝ
ንዑ ሃብዮ
