Iski Zemru Namlak Adonay | እስኪ ዘምሩ ንኣምላክ ኣዶናይ
Added by Admin
እስኪ ዘምሩ ንኣምላክ ኣዶናይ ዘሎ ኣብ ሰማይ
ሕያዋይ ጓሳ መድሃኒ ዓለም ናይ ጽድቂ ጸሓይ
ናይ ጎይታ ምድሓን ምሕረት በዚሑ
ኣዳም ዘመረ ሰላም ረኪቡ
ቲ ጸልማት ህይወት ተደምሲሱልና
ኣምላኽ ኣዊጁ ናትና ምድሓና
……..ኣዝ………
ክብሩ ከም ጸሓይ በሪሁ ኣብ ዓለም
ህያው ጌሩና መድሃኒ ዓለም
ውዕለት ጎይታና ብዙሕ’ዩ ኩሉ
እንዳ ሸብሸብና ንዝመረሉ
……..ኣዝ………
ጽልኢ ብመስቀሉ ጠፊኡ ብሞቱ
ተዓሪቅና ሂቡ ምሕረቱ
ዕጹብ ድንቂ’ዩ ዝተሰርሐ
ፍጡር ደሓነ ቲ ጸልማት በርሀ
……..ኣዝ………..
ኣብ ምድሪ ሲኦል ግዙኣት ከለና
ኣብ ኣርያም ኮይኑንዘፍቀረና
ክብሩ ገዲፉ ናባና መጸ
ካብ ድቅድቅ ጸልማት ንደቁ ኣውጽአ
……….ኣዝ……..
