Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Iski Zemeru | እስኪ ዘመሩ

Added by Admin

እስኪ ዘምሩ ንኣምላክ ኣዶናይ ዘሎ ኣብ ሰማይ
ሕያዋይ ጓሳ መድሃኒዓለም ናይ ጽድቂ ጸሓይ

ናይ ጎይታ መድሕን ምሕረት በዚሑ
ኣዳም ዘመረ ሰላም ረኺቡ
ቲ ጸልማት ህይወት ተደምሲሱልና
ኣምላኽ ኣዊጁ ናትና ምድሃና
………ኣዝ………..
ጽልኢ ብመስቀል ጠፊኡ ብሞቱ
ተዓሪቅና ሂቡ ምሕረቱ
ዕጹብ ድንቂ’ዩ ውን ዝተሰርሐ
ፍጡር ደሓነ’ቲ ጸልማት በርሐ
………..ኣዝ……..
ኣብ ምድሪ ሲኦል ግዙኣት ከለና
ኣብ ኣርያም ኮይኑ ንዘፍቀረና
ክብሩ ገዲፉ ናባና መጸ
ካብ ድቅድቅ ጸልማት ንደቁ ኣውጽአ
………..ኣዝ……..
ክብሩ ከም ጸሓይ በሪሁ ኣብ ዓለም
ህያው ጌሩና መድሃኔዓለም
ውዕለት ጎይታ ብዙሕ’ዩ ንኩሉ
እንዳ ሸብሸብና ንዘምረሉ
…….ኣዝ………