Intezeyredaikani | እንተዘይረዳእካኒ
Added by Admin
እንተዘይ ረዳእካኒ ንበይነይ’የ ኣማኑኤል ጎይታይ/2/
እልምነካ ኣለኩ ኣይትረኣ ድክመተይ/2/
ጎይታ ኩሉ ግዚ ናባካ የእዊይ
ብብዝሒ ሓጥያተይ ዕረፍቲ ስኢነ
ኣቦታት ለሚኖም መዓስ ኣሕፊርካዮም
ሰለ ዝኣመኑካ ካብ ሞት ኣድሒንካዮም
ኣዝ
የሽካዕልሉ ኣለው ኩሎም ዝርእዩኒ
ዘድሕነካ ኣምላክ ኣበይ ኣሎ ይብሉኒ
ንኡስ’የ እፈልጥ’የ ሓሰኻ ናይ ምድሪ
ብብርቱዕ ቅልጽምካ ጎይታይ ኣልዕለኒ
ኣዝ
ኣማኑኤል ኣምላከይ ንጸሎተይ ስምዓኒ
ኣውያተይ ‘ውን ጽንበል ቀልጢፍካ ርድኣኒ
ንዝተጸግዑካ መጸግዒኦም ኢካ
ነቶም ሽጉራት’ውን ትበጽሖም ባዕልካ
ኣዝ
ኣብ ግዜ ጸገመይ ረዳእየይ ኢካ
ተርክበለይ ኢካ ንጸሎተይ ሰሚዕካ
ወትሩ ክዛረብ እየ መድሓኒት ምዃንካ
ክዝምረልካ እየ ኣብ ማእከል ህዝብካ
ኣዝ
