መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Intetseniina Ab Tsiwaka | እንተጸኒዕና ኣብ ጽውዓካ

Added by Admin

እንተጸኒዕና ኣብ ጽውዓኻ
መን’ዩሞ ዝፈልየና ኣብ ጽኑዕ ፍቕርኻ
ጥምየት ዲዩ ስደት መከራ ዓለም
ክፈልየና ኣይክእልን ከቶ ንዘልዓለም
…………ኣዝ………
ጸላኢ እንተነደረ እንተጓዘመ
ሃነፍነፍ እንተበለ እንተ ኣዕዘምዘመ
ከውሒ ምድሓነይ ሒዘስ ገለ ኣይከውንን
ኣባኻ ተጸጊዐስ ኣይምንጥለንን

ምሳኻ ምንባር ይሕሸና ምሳኻ ምንባር
ምሳኻ ምባር ይሕሸና ኣብ ሰማይ ኢዩ ተስፋና

ሓላፊ ጥሪት ዓለም ወርቅን ብሩርን
ብልዒ ንኸብዲ እምበር ሕይወት የብሉን
ንዓይ ግን ኣጥሪካኒ ብክቡር ደምኻ
ኣነ’ውን ፈትየ ኣለኹ ደጊም ምሳኻ
………..ኣዝ………
ጉስነተይ ከይመኑ ከይስልኪ ኣነ
ብመንፈሰይ ከይወድቅ ልበይ ከይዕበ
ደው ኢለ እናበልኩ ከይስእኖ ጸጋይ
ሓልወኒ ከይሓድግ ኣገልግሎተይ
…….ኣዝ……