Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Inkai Des Belena | እንቃዕ ደስ በለና

Added by Admin

እንቋዕ ደስ በለና (2) ፍሉይ ሓጎስ’ዩ ኣምላክ ሂቡና
ኣውደ ኣመት(2) ጎይታ ሂቡና ንክንሕጎስ

ክርስቶስ ተንሲኡ እንቋዕ ደስ በለና
ሰንበት ፍርቂ ለይቲ >>
ንሞት ኣሸኒፉ >>
ጸላኢ ስዒሩ >>
ገነት ተኸፊቱ >>
ዝብህጎ ቤተይ >>
ተንሲኡ ጎይታና ብርሃን ዓዲሉና ኣሜን
እግዚኣብሔር ይመስገን
………ኣዝ…….
ነመስግን ኩልና >>
ብትንሳኤ ጎይታ >>
ስለ ዝሃበና >>
ድሕነት ናይ ነብስና >>
እልል እልል ንበል >>
ኩልና ሓቢርና >>
ሞይቱ ዝነበረ ክርስቶስ ተንሲኡ ኣሜን
እግዚኣብሔር ይመስገን ኣሜን
……….ኣዝ……..
ኣብ ቤተ መቅደስ >>
ብርሃኑ ለቢስና >>
ናይ ኣዳም ሰንሰለት >>
ሎሚ ተፈትሓልና >>
ካብ ሕጂ ንደሓር >>
ሞት ተሳዒሩልና >>
የእዳውኩም ኣልዕሉ ንዘምር ኩልና ኣሜን
እግዚኣብሔር ይመስገን ኣሜን