Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Imnet Mis Gibri | እምነት ምስ ግብሪ

Added by Admin

እምነት ምስ ግብሪ ጽድቂ ነጣምር ብውህደት
ንቃለስ ሓቦ ንበል ንጉየ ብሓድነት
ቦታ ዘይውስኖ’ዩ ጉዕዞ ክርስትና
ምስጢሩ ንፍለጦ መሰል ውልድነትና

ኣዳም ምስ ተፈጥረ ብክብሪ ኣብ ገነት
ምስ ህያው ኣምላኩ ክነብር ብሂወት
ዘልዓለም ክነቅሕ ከመስግን ኣምላኩ
ኣእጋር ተዓደሎ ዘውትር ዝቆመሉ
…………ኣዝ…………..
ሕጉ ተከቲሉ ህይወቱ ክኣሊ
ከይርስኦ ከይዝንግእ ህላዌ ፈጣሪ
ቃሉ ተመጊቡ ህይወቱ ክእንግል
ኣእዛን ተዋህቦ ድምጹ ንከጥልል
…………ኣዝ……….
ኣብ ማዕከል ቅዱሳን ብህብረት ክዝምር
ከመስግን ኣምላኩ ብሓጎስ ክዘልል
ሰማያዊ ዜማ ክከውን ዕላሉ
ቃላቱ ክሰርእ ልሳን ፈጠረሉ
……….ኣዝ………….
ኣሕዋት ንቁም ንጽናዕ ኣብ ቅዱስ ዕላማ
ቃሉ ንስምኣዩ ነህድስ መንፈስና
ብምስጋና ህይወት ዘንተዕለት
እሙን ባርያ ኣምላክ ዳኒኤል ንመልከት
………ኣዝ…………