Imenu Bu | እመኑ ብኡ
Added by Admin
እመኑ ብእኡ በቲ ሓያል ጎይታ
ንእኡ ዝመስል ማንም የለን ኮታ
ውቅያኖስ ባሕሪ ዋላ እንተሓንሓነ
ክዝሕል ኢዩ ዝኾነ እንተኾነ
እመኑ ብእኡ ሲና ተናወጸት
>> ትኪ ተጎልበበ
>> እምባ ኣንቀጥቀጠ
>> ጎይታ’ውን ተገልጸ
>> ናይ ኣሕዛብ ጣኦታት
>> ዋላ እንተገነኑ
>> ብሓይሊ ግርምኡ
>> ይረግፉ ኣብ ቅድሚኡ
………ኣዝ………
እመኑ ብእኡ ዘይሓልፍ መከራ
>> ዘይከኣል የለን
>> ከኣሊ ኩሉ ኢዩ
>> ጎይታ መድሃኒ ዓለም
>> ፍቅሩ ብዙሕ እዩ
>> ፍሉይ ርህራሄኡ
>> ዘልዓለም ይነብር
>> የእዳዉ ዘርጊሁ
……….ኣዝ…………
እመኑ ብእኡ ማዕበል ዘይህውኮ
>> ጽኑዕ ኢዩ መርከብና
>> ፍርሒ የለን ራዕዲ
>> ኣብ ጎኑ ከለና
>> ኣብታ ከውታ ለይቲ
>> ተስፋ ዘይነብሮ
>> መዝሙርር ምስጋናና
>> መቁሕ ሰበሮ
…….ኣዝ…….
እመኑ ብእኡ ጽኑዕ ኢዩ ደጀንና
>> ብማንም ዘይድፈር
>> ንጹህ ኢዩ እምነትና
>> ዘይርከቦ ኣበር
>> መጠን ኣልቦ ምሕረቱ
>> ምሉእ ካዕበት ፍቅሪ
>> ውዕለቱ ዘኪርኩም
>> ዘምሩሉ ንዑ
