Ime Amlak Dinigil | እመ ኣምላክ ድንግል
Added by Admin
እመ ኣምላክ - - - ድንግል ኢኺ /2/
ናይ ቃል መሕደር ንምኻን በቕዕኺ እህ /3/
ንዓመታት- - - - - - - - ቤተ መቕደስ ኔርኪ
እንዳተመገብኺ - - - - - ሰማያዊ ምግቢ
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ቅዱስ ገብርኤል መጽኡ - - - ሰላም ንዓኺ ኢልኪ
ናይ ክርስቶስ ኣደ - - - - - ድንግል ደስ ይበልኪ
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ሰማያዊ መልእኽቲ - - - - - እጹብ ድንቂ ዜና
መጺኡልኺ ካብ ሰማይ - - - ኣቋርጹ ደበና
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ኣደን ድንግልናን - - - - - ክልቲኡ ሒዝኪ
ድንግል ናተይ ተስፉ - - - - ፍልይቲ እኮ ኢኺ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ስምኺ ዝጸውዐ - - - - - - ዝኽርኽ ዝዘከረ
ዘለኣለም ይነብር - - - - ኸም ዑንቂ እንዳበርሀ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
