Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Imbay Ika Metsegiyey | እምባይ ኢካ መጸግእየይ

Added by Admin

እምባይ ኢኻ መጸግእየይ
ሃይለይ ኢኻ ኣምላኸይ
ኣብ ዝተከበት ከተማ ኣይትግደፈኒ ንበይነይ (2)

ከም ዝመጸቶ ትትረፍ ኣይትበለኒ
ንንስሓ ህይወት ኣድለኒ
ኣብ መቅደስ ከውሕካ ኣቁመኒ
ማዕበልን ንፋስን ከይወስደኒ
………ኣዝ……..
ናይ ጽባሕ ዕጫይ ኣይፈልጦን
ኣብ ቤትካ ምንባረይ ኣይምስክርን
ኣይኣምኖን ኢየ ነዚ ክፉእ ልበይ
ክፈርሕ ይነብር ኣብ ዘመነይ
………ኣዝ………..
ኣይምካህን ኣነስ ይፈር ኢየ
ቅይሙ ዝነበረ ወዲቁ ርእየ
ብዘይ ሰባር ልቢ ብምንባረይ
ኣይፈልጥን ጠጠው ንምባለይ
……….ኣዝ……….
ንዝወደቀ ሰብ ብምፍራደይ
ናይቲ ድኹም በደል ኣሎ ኣብ ኢደይ
ስለ ዘይተሽምኩ ንክፈርድ
ልበይ ምለሰለይ ንከይነድድ
……..ኣዝ…………