Ilil Belu Fetewti Kulu | ዕልል በሉ ፈተውቲ ኩሉ
Added by Admin
እልል እልል በሉ ፈተውቲ ኩሉ /2/
ንሞት ሲዕሩ’ዩ ብዓወት ብሓይሉ
ካባይ ዘርሓቐ ሸውዓተ ኣጋንንቲ
ጎይታ ተንሲኡ’ዩ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ /2/
ንዓይ ዝገበሮ ፍቕሩ ኸይረሳዕኹ
ነቲ ጨና ሒዘ ኣርሒቐ ተኸድኩ
ብብዝሒ ምሕረት ንዓይ ከይነዓቐኒ
ኣብ ልበይ ዘየለ ትንሳኤ ኣርእዩኒ /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ናይ ኣግራብ ሓላዊ’ዩ ዝበልኹዎ
ማርያም ተበለኒ ሽዑ ፈለጥኹዎ
‘ቲ ናይ ፍቕሪ ድምጹ ኣተወ ኣብ ልበይ
ኣብ እግሩ ወደቕኹ ኢለ መምህረይ /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ጴጥሮስ ዮሃንስ ሃዋርያት ኩላልትኹም
ተሓጎሱ ዓልሉ ይደምሰስ ሓዘንኹም
ፍጹም ረኣዩ የለን ኣብ መቓብር
ንዓለም ንገሩ ናይ ብስራት ምስኽር /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ንሞት ስዒርዎ ብዓወት ብስልጣኑ
ኣይትጠራጠሩ ብሓቂ እመኑ
ካብ ድቃስ ከምዝተንስአ ጎይታ ተንሲኡ’ዩ /2/
ንጸላእቲ ኩሉ ስዒርዎም’ዩ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ነዛ ትንሳኤ ዘይትጠፍኣ ብርሃን
ብጸጋ ሂቡና ንወድስ ነመስግን
ብናቱ ትንሳኤ ትንሳኤ ህቡና
ብዝገበረልና ነቕርብ ምስጋና /2/
