መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ilil Belu Bhadnet | እልል በሉ ብሓድነት

Added by Admin

እልል በሉ ብሓድነት ዘምሩ
ኣመስግኑ ንኽብሩ ዘምሩሉ
ከም እግ/ሄር ማንም የለንበሉ
ኣብ ሓጢያት ባርነት ክንነብር ከለና
ካብ ቤቱ ርሒቕና ትእዛዙ ጢሐስና
ጸላእቱ ከለና ንዘይጨከነልና
ውዕለቱ ግሩም’ዩ ነመስግን ኹልና /2/
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ንሱ ትሒት ኢሉ ንዓና ኣኽብሩና
ንስግኡን ደሙን ክንበልዕ ሂቡና
ሕያዋይ ጓሳ’ዩ የለን ዘስእነና
ንመድሃኒ ኣለም ይኹኖ ምስግና /2/
- - - - - ኣዝ - - - - - - -
ሕይወቱ ዘሓለፈ ኸም ኣምላኽ መን ኣሎ
ኣብመስቀል ውዕሉ ኹሉ ዝኸኣሎ
ፍቕሩ ብዙሕ’ዩ ሓቂ’ዩ መንገዱ
ምሳና’ውን ኾነ ካብ ሰማይ ወሪዱ /2/
- - - - - ኣዝ - - - - - - -
ስርሑ ዘደንቕ ከምዚ ዘፍቅረና
ካብ ዘይውዳእ ፍቕሩ በረኸት ሂቡና
ኣይዝረብን’ዩ ናይ ኣምላኽ ውዕለትኻ
ውዳሴ ነቕርብ ንዘምር ብዕልልታ /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -