መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Igziabher Ymesgen | እግዚኣብሔር ይመስገን

Added by Admin

እግዚኣብሔር ይመስገን ኣብዚ ዘብቅዓና
ክብቲ ጸቢብ ሕይወት ሓራ ዘውጽኣና
ጸልማት ተጎልቢበ ከንደልሕጽ ልብና
ንሱ ግን ጋሊሑ ብርሃን ኣርእዩና

ናይ ግብጺ ከተማ እቲ ዘደንቅ ባና
ናትና ኣይኮነን እሞ ገዲፍናዮ ኬድና
በጺሕና’ዩ ኢና ግዝኣት ዓዲ ጓና
ብሃይልና ኣይኮነን ብቅልጽም ኣምላክና
……….ኣዝ……..
ከቶ ዘይትቅደም ዋላ እንተደንጎኻ
ንዝለመነካ ኣይትሕፍሮን ኢኻ
ቃላትካ ክንሰምዕ ኣዚና ንረብሕ
ካብ ክፉእ ንድሕን ብኣኻ ንሕበን
……..ኣዝ……..
መከራ ስቃይካ ነበረ ስሌና
ኣድሂኑኻ እዩ’ሞ ይብጻሃካ ምስጋና
ኣምላክና መሓሪ ኣለኩ ኢልኻና
ናይ ዘልዓለም ሕይወት ብስራት ሰሚዕና
…….ኣዝ………